na een zakelijke training poseert een man en lacht in de camera Arrow

ኣካዳሚ ንኣሽቱ ንግዲ ንስደተኛታት

ኣካዳሚ ንኣሽቱ ንግዲ ንስደተኛታት

ኣብ ሆላንድ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንግዲ ክትጅምር ትደሊ። ብሉጽ ሓሳብ! ግን ብዛዕባ እንታይ ክትሓስብ ኣሎካ? ኣካዳሚ ንኣሽቱ ንግዲ ንስደተኛታት ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ንኹሉ ሕቶታትካ መልሲ ክትረክብ ኢኻ። 

ብዛዕባ ኣካዳሚ ንኣሽቱ ንግዲ ንስደተኛታት 

ኣብ ሆላንድ ንግዲ ክትጅምር ትደሊ እንተኮንካ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ክትመሃር ኢኻ። እዚ ድማ ካብ ምጽሓፍ ውጥን ንግዲ እዩ ዝጅምር። እቲ መደብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ካብ ናይ ንግዲ ኣሰልጣኒ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ኣሰልጣኒ ኣብ ዝወሃቡኻ ዕዮታት ይሕግዘካን ንዘለዉኻ ሕቶታት ድማ ይምልሰልካን እዩ። 

ኣካዳሚ ንኣሽቱ ንግዲ ንስደተኛታት ምስ ዛዘምካ፡ 

  • ውጥን ንግዲ እንታይ ምዃኑን ንምንታይ ከም ዘድልየካን ትፈልጥ 
  • ናትካ ውጥን ንግዲ ክትሰርሕ ኢኻ
  • ኣብ ሆላንድ ንግዲ ከመይ ጌርካ ከም እትጅምር ትፈልጥ ኢኻ
  • ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንግዲ ምጅማር ዝገልጹ ናይ ሆላንድ መምርሒታትን ሕግታትን ትፈልጥ  
  • ተውህቦኻ እንታይ ምዃኑን ኣብ ንግዲ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉን ትፈልጥ
  • ኣብ ሆላንድ ናይ ገዛእ ርእሶም ንግዲ ክጅምሩ ዝደልዩ ካልኦት ሰባት ክትፈልጥ ኢኻ።
  • ውጥን ንግድኻ ንኻልኦት ከተቕርብ ኢኻ።

ግብራውያን ጉዳያት : እቲ መደብ እንታይ ይመስል?

እቲ ስርዓተ ትምህርቲ.. 

  • 3 ሰዓታት ዝወስድ 12 ክፍለ ግዜታት ዝሓዘ እዩ
  • ኣብ 3 ኣዋርሕ ይዝርጋሕ
  • ኣብ ደረጃ A2 ብቋንቋ ሆላንድ ይወሃብ
  • ኣብ እዋን እቲ መደብ ሓደ ቀንዲ መምህር ኣለዎ
  • ከም ዕዳጋ ወይ ፋይናንስ ኣብ ዝኣመሰሉ ፍሉያት ኣርእስታት ኣፍልጦ ዘለዎም ኣጋይሽ ኣሰልጠንቲ ይጥቀም
  • ኣብ ሆላንድ ኣብ ፈጠራ ስራሕ ብዛዕባ ዘለዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ተመኩሮ ዝዛረቡ ሓያሎ ዕዱማት ተዛረብቲ ኣለዉዎ

ነዚ መደብ ዝኾነ ነገር ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ * 

Arrow

ኣብ እዋን እቲ መደብ ኣሰልጣኒ ክህልወካ እዩ 

ስልጠና ንግዲ ኣብዚ መደብ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ቅድሚ እቲ መደብ ምስ ሓደ ዝያዳ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ኢልና እንሓስቦ ኣሰልጣኒ ክነራኽበካ ዝከኣለና ንገብር።  ኣሰልጣኒኻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ኣይክህሉን/ኣይክትህሉን እዩ/ያ። ነገር ግን ኩሉ ግዜ ክትድውለሉ/ላ ወይ መልእኽቲ ክትልእከሉ/ላ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መጀመርታ ናይቲ መደብ ክንደይ ግዜ ከም እትራኸቡ ወይ ብኸመይ ከም እትረዳድኡ ክትመያየጡ ኢኹም። እቲ ኣሰልጣኒ ንዓኻ ክመኽረካ፡ ሕቶታት ክምልስ ወይ ድማ ዝተወሰኑ ኣርእስታት ንምዝታይ ጥራይ እዩ ኣብኡ ዘሎ።

Arrow

ተወሳኺ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ?

Deze website is beschermd met reCAPTCHA, zie hiervoor de privacyverklaring en servicevoorwaarden van Google.

Wat klanten zeggen

ሓገዝ የድልየካ?

ክትፈልጦ ኣይከኣልካን ወይ ሕቶታት ኣለካ? ንሕና ንሓግዘኩም! ከምኡ’ውን ኣየናይ ልቓሕ ንኹነታትካ ዝበለጸ ዝሰማማዕ ምኽሪ ንምርካብ። ምሳና ዕላል ግበሩ ወይ ርኸቡና።